5 ኣቦኣ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ መብፅዓኣ ኸይትፍፅም እንተ ኸልከላ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይፍረስ። ዝኸልከላ ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።
ካብ መስዋእቲ ምሕረት፥ ካብ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ምፍላጥ እፈቱ እየ።
ሰብኣያ ኸዓ ሰሚዑ ስቕ እንተበለ እሞ፥ እንተ ዘይከልኣ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዐታት ትፈፅም።
ኣቦኣ ድማ ነቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ምስ ሰምዐ ስቕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ይፅናዕ።
“ተመባፂዓ እንተላ፥ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ መለቛ እሞ፥ ብመብፅዓ ተኣሲራ እንተላ እንተ ተመርዐወት፥
ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።
ኣቱም ውሉድ፥ ግቡእ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።