4 ኣቦኣ ድማ ነቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ምስ ሰምዐ ስቕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ይፅናዕ።
“ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክትህቦ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ብምባልውን እንተ ተመባፅዐት፥
ኣቦኣ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ መብፅዓኣ ኸይትፍፅም እንተ ኸልከላ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይፍረስ። ዝኸልከላ ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።