Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 30:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 “ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክትህቦ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ብምባልውን እንተ ተመባፅዐት፥

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 30:3
10 Referencias Cruzadas  

ሴዴቅያስ፥ ካብቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ባቢሎን ናቡከደነፆር ዓመፀ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስ ከዓ ኽሳዱ ኣትረረ፤ ልቡውን ኣጠንከረ።


ንኣምላኽ፥ መስዋእቲ ምስጋና ሰውእ፤ ንልዑልውን መብፅዓኻ ሃብ።


ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ ንስኻ ኸም እትግምቶ ዋጋ እቲ ሰብ ይኸፍል። ከፊሉ ኽቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ከምዝ ዝስዕብ ይኽፈል፦


ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክህቦ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢሉ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐ፥ ከምቲ ዝበሎ ደኣ ይፈፅም እምበር፥ ቃሉ ኣይዕፀፍ።


ኣቦኣ ድማ ነቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ምስ ሰምዐ ስቕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዓታት ይፅናዕ።


ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥


ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክዛረባ ኣይተፈቐደለንን እዩ እሞ፥ ስቕ ይበላ። ግና ኸምቲ ሕጊ ሙሴ ዝብሎ ይተኣዘዛ።


እቶም ሹመኛታቶም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎምሎም ስለ ዝነበሩ ግና፥ ደቂ እስራኤል ኣይቀተልዎምን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታት ኣጕረምረመ።


ንኣኣ ምስ ረአያ ኸዓ ኽዳውንቱ ቐዲዱ “ኣየ ጓለይ፥ ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ኣትየሉ እየ፤ ክመልሶ ኸዓ ኣይክእልን እየ እሞ፥ የመና ኣዋረድክኒ ኣጨነቕክኒ እውን” በላ።


“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos