14 ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ ግና፥ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ንፅባሒቱ ይፀንዕ።
ነቲ ‘ንእግዚኣብሄር ክህቦ እየ’ ኢላ ዝተመባፅዐቶ፥ ወይ ነቲ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ዝሓደገቶ፥ ሰብኣያ ኸፅንዖ ወይ ከትርፎ ይኽእል እዩ።
ሰሚዑ እንተሎ መዓልቲ ኣሕሊፉ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ናይታ ሰበይቲ በደል ናቱ ይኸውን።”