13 ነቲ ‘ንእግዚኣብሄር ክህቦ እየ’ ኢላ ዝተመባፅዐቶ፥ ወይ ነቲ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ዝሓደገቶ፥ ሰብኣያ ኸፅንዖ ወይ ከትርፎ ይኽእል እዩ።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።
ኣነ ግና ንሳቶም ምስ ሓመሙ፥ ወጮ ተኸደንኩ፤ ንነፍሰይውን ብፆም ኣድከምኩዋ፤ ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ።
እቲ ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይ ድዩ? ሰብከ ንነፍሱ ዘሕስረሉ ብኸምዙይ ዝበለ መዓልቲ ድዩ? ኸም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፥ ወጮ ተኸዲንካ ሓመድ መንፀፍካ ምግባርን ድዩ? ብሓቂ ነዙይ ዲኻ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተፈተወ መዓልቲ ፆም እትብሎ ዘለኻ?
እዝ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእኸልኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኵልኹም ንርእስኹም ኣጨንቕዋ፤ ሓደ እኳ ስራሕ ኣይትስርሑ።
ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ። ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ዝኾነ ነገር ድማ ኣይትብልዑ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ።
እዛ መዓልቲ እዚኣ ፍፁም ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብንስሃ ንርእስኹም ኣዋርዱ። ካብ ምሸት ናይታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ክሳዕ ምሸት ናይታ ዓስረይቲ መዓልቲ ፍፁም ዕረፍቲ ግበሩ።
ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ንመብፅዓኣ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይተርፍ። ዝኸልከላ ሰብኣያ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።
ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ስቕ እንተበለ ግና፥ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ንፅባሒቱ ይፀንዕ።
ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
ከምኡውን፥ ሰበይቲ እያ ምእንቲ ሰብኣይ ዝተፈጥረት እምበር፥ ሰብኣይ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን።
ንፀሎት ክትተግሁ፥ ብዝተሰማማዕኹምሉ ጊዜ ጥራሕ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትፈላለዩ። ንሰብነትኩም ምቍፅፃር ብዘይምኽኣልኩም፥ ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም፥ ብሓደ ኹኑ።