12 ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ ንመብፅዓኣ እንተ ኣፍረሶ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይተርፍ። ዝኸልከላ ሰብኣያ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።
ግና ኸምቲ ንሕናን ኣቦታትናን ነገስታትናን ኣሕሉቕናን፥ ኣብተን ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ዝገበርናዮ፥ ንሕናውን ንግስቲ ሰማይ ንእትብሃል ክንዓጥን፥ መስዋእቲ መስተ ድማ ንኣኣ ኽነቕርብ ኢና። ሽዑ እንጀራ ንፀግብ፥ ብደሓን ንነብር፥ መዓትውን ኣይንርእን ነበርና። ኩሉ እዝ ዝተዛረብናዮ ቓል ብርግፅ ክንፍፅም ኢና።
እተን ኣንስቲ ኸዓ ወሲኸን “ንንግስቲ ሰማይ ክንዓጥን እንተለና፥ መስዋእቲ መስተውን ኽነፍስሰላ እንተለና፥ ነቲ ኸም ምስላ ጌርና ዝሰንከትናላ እንጀራን፥ መስዋእቲ መስተን ክነቕርበላ እንተለና፥ ሰብኡትና እንተይፈለጡዶ ኢና ዝገበርናዮ” በላ።
እዝ በደል እዙይ ብዘይ ምፍላጥ ዝተገብረ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ኽንዲ በደሎም ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ንእግዚኣብሄር ኣምፂኦም እዮም እሞ፥ እቲ ኻህን ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል የስተስርየሎም፤ ስሕተት ነይሩ እዩሞ፥ ክሕደገሎም እዩ።
እቲ ኻህን ድማ ነቲ ብጌጋ፥ ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ኽሕደገሉ እዩ።
ሰብኣያ ኸዓ ሰሚዑ ስቕ እንተበለ እሞ፥ እንተ ዘይከልኣ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዐታት ትፈፅም።
ነቲ ‘ንእግዚኣብሄር ክህቦ እየ’ ኢላ ዝተመባፅዐቶ፥ ወይ ነቲ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ዝሓደገቶ፥ ሰብኣያ ኸፅንዖ ወይ ከትርፎ ይኽእል እዩ።
ኣቦኣ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ መብፅዓኣ ኸይትፍፅም እንተ ኸልከላ ግና፥ እቲ ዝኣተወቶ ዅሉ መብፅዓታት ይፍረስ። ዝኸልከላ ኣቦኣ ስለ ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብለላ እዩ።
ሰብኣያ በታ ዝሰምዐላ መዓልቲ እንተ ኸልከላ ግና፥ ነቲ መብፅዓኣን ነቲ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓል መብፅዓን የትርፎ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሓድገላ እዩ።
ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፥ ርእሲ ሰበይቲ ኸዓ ሰብኣይ፥ ርእሲ ክርስቶስውን እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት።