10 “ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ኽትህብ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢላ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐት፥
ሰብኣያ ኸዓ ሰሚዑ ስቕ እንተበለ እሞ፥ እንተ ዘይከልኣ፥ ኵሉ እቲ ዝኣተወቶ መብፅዐታት ትፈፅም።
ሰብ ንእግዚኣብሄር ሓደ ነገር ክህቦ እንተ ተመባፅዐ፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ኢሉ ብምምሓል እንተ ተመባፅዐ፥ ከምቲ ዝበሎ ደኣ ይፈፅም እምበር፥ ቃሉ ኣይዕፀፍ።
“መበለት ወይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብፅዓ እንተ ኣተወት ግና፥ ኵሉ መብፅዓኣ ትፈፅም።
ሕልቃና ድማ “ፅቡቕ መሲሉ ዝተርኣየኪ ግበሪ፤ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ፅንሒ፤ እግዚኣብሄር ከዓ መብፅዓኺ ይፈፅመልኪ” በላ። ንሳ ድማ ተረፈት፤ ወዳ ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ ከዓ እናጥበወት ኣብ ገዛኣ ተቐመጠት።