Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 3:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ንሌዋውያንውን፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፤ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ተፈልዮም ንኣይ ከገልግሉ ተውሂቦም እዮም እሞ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 3:9
15 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ዳዊት “ንታቦት እግዚኣብሄር ክፆሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፥ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም እምበር፥ ካልእ ሰብ ንታቦት እግዚኣብሄር ኣይፁሮ” በለ።


እቶም ምስ ደቆም ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ቀኣት፦ እቲ መራሒ መዘምራን ዝነበረ ኤማን ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ሳሙኤል፥


ናታኒም፤ ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጠብዖት፥


ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ።


ካብ ናታኒም ድማ ዳዊትን ኣሕሉቕን ንሌዋውያን ከገልግሉ ዘመረፅዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ናታኒም ነዞም በብስሞም ዝተፀውዑ ዅላቶም ሰደዱልና። እዚኣቶም ኵሎም በብስሞም ተመዝገቡ።


ኣብ ድንኳን እግዚኣብሄር ክተገልግሉ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ደው ኢልኩም ከዓ ኽተገልግልዎም፥ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ኸቕርበኩም ኢሉ፥ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሪፁ ዝፈለየኩምዶ ንኢሱኩም እዩ?


ንስኻን ደቅኻን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክተገልግሉ እንተለኹም ምእንቲ ኽሕግዙኹም ነቶም ዓሌትካ ዝኾኑ ሌዋውያን ናባኻ ኣቕርቦም።


ኵሉ ኣቑሑ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ስራሕ ንኽሰርሑ፥ ኣብቲ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ኵሉ ኣቑሑ ይሓልዉ፤ ንደቂ እስራኤል ንምግልጋል ዘድሊ ኹሉ ይሓልዉ።


ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ክኾኑ ኸምዙይ ጌርካ ኻብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፍለዮም።”


እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ።


ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል ከዓ ንሌዋውያን ወሲደ ኣለኹ።


ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም መዓት ምእንቲ ኸይወርዶም፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክንዲ ደቂ እስራኤል ከገልግሉ፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ኸስተስርዩሎም፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ፈልየ ንኣሮንን ንደቁን ውህብቶ ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።”


ንሱ ኸዓ ንገሊኣቶም ሃዋርያት፥ ንገሊኣቶም ነቢያት፥ ንገሊኣቶም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኣቶም ጓሶት [ምእመናን] ንገሊኣቶም ድማ፥ መምህራን ገይሩ ውህብቶ ሃበ።


ስለዙይ ድማ እዩ “ናብ ላዕሊ ምስ ዓረገ፥ ብዙሓት ምሩኻት ሒዙ ኸደ፤ ንደቂ ሰብ ከዓ ውህብቶ ሃበ” ዝብል።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos