6 “ንነገድ ሌዊ ኣምፅኣዮም፤ ምእንቲ ኸገልግልዎ ድማ ናብ ኣሮን ካህን ኣቕርቦም።
ሽዑ ዳዊት “ንታቦት እግዚኣብሄር ክፆሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፥ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም እምበር፥ ካልእ ሰብ ንታቦት እግዚኣብሄር ኣይፁሮ” በለ።
ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ዓፀድን፥ ኣብ ክፍልታትን፥ ቅዱሳት ኣቑሑ ብምንፃህን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብምስራሕን፥ ደቂ ኣሮን ንዝኾኑ ኻህናት ክሕግዝዎም ምሩፃት ነበሩ።
እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።
እቶም ምስ ደቆም ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ቀኣት፦ እቲ መራሒ መዘምራን ዝነበረ ኤማን ወዲ ኢዮኤል፥ ወዲ ሳሙኤል፥
ኣቱም ደቀይ፥ ኣገልገልቱ ዄንኩም ዕጣን ክትዓጥኑሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ ንህዝቢ ብፀሎት ክትመርሑ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሸለል ኣይትበሉ።”
ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ ኸዓ ኻህናት በብስርዓቶም ሌዋውያን በብኽፍሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣቖሙ።
እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ንዝህብዎ ኣገልግሎት፥ እንሆ፥ ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዝህብዎ ዓስራት፥ ብፅሒቶም ገይረ ሂበዮም ኣለኹ።
ድሕሪኡ ድማ እቲ መራኸቢ ድንኳን ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዓዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኣቶም ከምኡ ኸዓ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኦም መምስ ሰንደቕ ዕላማኣቶኦም ይጐዓዙ።
ሌዋውያን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
በታ ጊዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፥ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክፆሩ፥ ንእኡ ንምግልጋል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽቖሙ፥ ብስሙ ንኽባርኹ እግዚኣብሄር ክሳዕ ሎሚ ንነገድ ሌዊ ፈለዮም።