50 ካብ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ፥ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ቅርሺ ብሩር ወሰደ።
ሙሴ ድማ ኻብቶም ካብ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥ ገንዘብ ቤዛ ወሰደ።
ከም ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ነቲ ገንዘብ ቤዛ፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።
ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ።
ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም ዝወረስኩምዎ፥ ከንቱ ዝኾነ ህይወት ዝደሓንኩም፥ ብዝጠፍእ ነገር፥ ብብሩር ወይ ብወርቂ ዘይኮነስ፥ በቲ ነቐፋን ርኽሰትን ከም ዘይብሉ በጊዕ ዝኾነ፥ ብኽቡር ደም ክርስቶስ፥ ከም ዝተቤዘወኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።