46 ነቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ቍፅሪ ሌዋውያን ሕልፊ ዝኾኑ፥
ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተቤዘዎ፤ እንተ ዘይተቤዘውካዮ ኸዓ ኽሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ፥ ንዅሉ በዅሪ ንዝኾነ ሰብ ተቤዘዎ።
ፈርዖን ክንከይድ ከይሰደና ልቡ ምስ ኣትረረ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብፂ ንዅሉ በዅሪ፥ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ ቐተለ። ስለዙይ ማህፀን እኖኡ ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፤ ካብ ደቅና ድማ በዅሪ ንዝኾነ ዅሉ እብዜዎ’ ትብሎ።