45 “ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ክንዲ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ከዓ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ውሰድ። ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንበዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተቤዘውዎ። ክትብዘውዎ እንተ ዘይደሊኹም ግና ኽሳዱ ቘልዕፅዎ፤ ካብ ደቅኹም ከዓ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ተቤዘውዎ።” “ሓደ እኳ ጥራሕ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይረአ።”
እቲ ምስ ሌዊ ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን ምእንቲ ኽፀንዕ ኢለ፥ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ከም ዝለኣኽክዎ ትፈልጡ ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል ሓርየ፤ ንኣኻትኩም ዝሃብኩኹም ውህብቶ እዮም። ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ከገልግሉ ንኣይ ዝተወፈዩ እዮም።
“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ።