43 ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም በዅሪ ተባዕትዮ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮነ።
ኵሎም ሌዋውያን፥ ከምቲ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘፀርዎም፥ ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኾኑ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል ቈፀሮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦