42 ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል ቈፀሮም።
ክንዲ ዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። ክንዲ በዅሪ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ድማ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ይኹና። ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ።”
ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም በዅሪ ተባዕትዮ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮነ።