Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 3:41 - መፅሓፍ ቅዱስ

41 ክንዲ ዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። ክንዲ በዅሪ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ድማ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ይኹና። ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ።”

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 3:41
10 Referencias Cruzadas  

ኵሉ ማህፀን ዝኸፍት ሰብ ኮነ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ኮነ ንበዅሪ ዘይንፁህ እንስሳ ግና ተቤዘዎ።


“እንሆ፥ ኣነ ኽንዲ እቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ማህፀን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ፥ ንሌዋውያን ካብ ማእኸል ደቂ እስራኤል መሪፀ ፈልየዮም እየ እሞ፥ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ።


በዅሪ ዝኾነ ዅሉ ንኣይ ስለ ዝኾነ፥ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብፂ ዝወቓዕኹላ መዓልቲ፥ ሰብ ኮነ እንስሳ፥ ኵሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፥ ንኣይ ክኸውን መሪፀ ፈልየዮ እየ፤ ንኣይ ይኹኑ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”


ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሎም በዅሪ ደቂ እስራኤል ቈፀሮም።


“ክንዲ ዅሉ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ክንዲ ኸፍቲ ደቂ እስራኤል ከዓ ኸፍቲ ሌዋውያን ንኣይ ውሰድ። ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።


እቶም ንኣይ ተፈልዮም ዝተውሃቡ እስራኤላውያን ንሳቶም እዮም። ክንዲ ዅሉ ማህፀን ዝኸፍት፥ በዅሪ ደቂ እስራኤል፥ ንኣይ ፈልየዮም እየ።


ወዲ ሰብውን፥ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት ቤዛ ገይሩ ኽህብን ደኣ እምበር፥ ከገልግልዎ ኣይመፀን” በሎም።


ንሱ፥ ክንዲ ዅሉ ሰብ፥ ቤዛ ገይሩ፥ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ እዙይውን፥ በቲ ብገዛ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos