4 ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።
መደብ ኣገልግሎት ደቂ ኣሮን እዙይ እዩ፦ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ነበሩ።
ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
ንኣኣውን ንኻህን ኣልኣዛር ይሃብዎ፤ ንሱ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅኣያ፤ ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ።
ንስኻ ሙሴ ኸዓ ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ወሲድካ፥ ናብ እምባ ሆር ኣደዪቦም።
ናዳብን ኣብዩድን ከዓ እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ኻልእ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ ሞቱ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦