38 ሙሴን፥ ኣሮን ምስ ደቁን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ምብራቑ ይስፈሩ። ንሳቶም ክንዲ ደቂ እስራኤል ንመቕደስ ዝሕልዉ እዮም። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።
እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።
እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።
ግና ኣብ ህዝቢ እስራኤል ቍጥዓ ምእንቲ ኸይወርድ፥ ሌዋውያን ኣብ ዙርያ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይስፈሩ፤ ነቲ ድንኳን ከዓ ይሓልውዎ።”
ሰራዊት ይሁዳ ብወገን ምብራቕ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኦም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ።
ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናይ ክህነቶም ኣገልግሎት ክፍፅሙ ሹሞም፤ ካልእ ሰብ እንተ ቐረበ ኸዓ ይቀተል።”
ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ድንኳን ብወገን ምዕራብ ይስፈሩ።
ዓሌታት ደቂ ቃዓት ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ይስፈሩ።
ሹም ዓሌታት ሜራሪ፥ ፁሪኤል ወዲ ዓቢካኢል እዩ። ንሳቶም ነቲ ድንኳን ብወገን ሰሜኑ ይስፈሩ።
ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን እዩ።