36 ደቂ ሜራሪ ዝተመረፅዎ፥ ሓለዋ ሉሕ ድንኳንን ወርወሩን ኣዕምዱን ኣእጋሩን ኵሉ ኣቑሑኡን ምስ ኵሉ መሳርሒኡን፥
ብወርቂ ዝተለበጠ መሰቓቐሊ ጌርካ፥ ብዕንፀይቲ ሰራው ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ ዓምዲ ስቐሎ፤ እቲ ዓምዲ ድማ ብብሩር ኣብ ዝተገብረ ኣርባዕተ መርገፂ ደው ኣብሎ።
ብዕንፀይቲ ሰራው ጌርካ፥ ነቲ መጋረጃ ሓሙሽተ ዓምዲ ግበረሉ። ብወርቂ ለብጦ፤ መሰቓቐሊኡ ኸዓ ኻብ ወርቂ ይኹን። ነሃስ ኣፍሲስካ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ግበረሉ።
ነቲ ድንኳን ምስ ዓለባኡን መደረብታኡን ቍልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥
ሽኻላት ድንኳንን ሽኻላት ቅፅርን ምስ ኣግማዱን፥
ካብ ዘይነቅዝ ዕንፀይቲ ኣርባዕተ ዓምዲ ገበሩ። ብወርቂ ኸዓ ለበጥዎ፤ መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ነበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበሩ።
ሽዑ ነቲ ድንኳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡ፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ቝልፍታቱን ሉሓቱን ጋድማቱን ኣዕምዱን ኣእጋሩን፥
ሹም ዓሌታት ሜራሪ፥ ፁሪኤል ወዲ ዓቢካኢል እዩ። ንሳቶም ነቲ ድንኳን ብወገን ሰሜኑ ይስፈሩ።
ኣዕምዲ እቲ ቕፅሪ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻላቱን ገመዳቱን እዩ።
ንደቂ ሜራሪ ኸዓ ኸም መጠን ኣገልግሎቶም፥ ኣርባዕተ ሰረገላታትን ሸሞንተ ኣብዑርን ሃቦም። እዚኣቶም ኵሎም ኣብ ትሕቲ ኢታምር ወዲ እቲ ኻህን ኣሮን ዘገልግሉ እዮም።