32 ሓለቓ ሹመኛታት ሌዋውያን ከዓ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም መቕደስ ክሕልዉ ዝተመረፁ ሓለቓኣቶም ነበረ።
ናቡዘረዳን፥ እቲ ኣዛዚ ሓለውቲ ንጉስ ከዓ፥ ንሊቀ ካህናት ሰራያን ንሶፎንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን፥ ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስን፥ ማሪኹ ወሰዶም።
ወዲ ኣቢሱ፥ ወዲ ፊንሃስ፥ ወዲ ኣልዓዛር፥ ወዲ ኣሮን ሊቀ ካህናት፥
ንሱውን በለኒ፤ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ትርኢ ዘላ ኽፍሊ ቤት፥ ነቶም ነታ ቤት ከገልግሉ እተመረፁ ኻህናት እያ።
ሓላፍነቶም ታቦት ኪዳንን ጠረጴዛን ቀዋሚ ቐንዲልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑን፥ መጋረጃ ቕድስተ ቅዱሳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።
ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሳውያንን ካብ ሜራሪ ዝውለዱ እዮም።
“ሓላፍነት ኣልኣዛር፥ እቲ ወዲ ኻህን ኣሮን፥ ነቲ ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ዘይትን ነቲ ምዑዝ ዕጣንን ነቲ ናይ ኵልሻዕ መስዋእቲ እኽልን ዘይቲ ቕብኣትን፥ ንዅሉ ድንኳንን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፥ ንመቕደስን ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።”
ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም።
ክልተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
እቲ ዝተውሃቦም ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ኣብ ስራሕ እቲ መራኸቢ ድንኳን ነሕዋቶም ይሓግዝዎም፤ ንሳቶም ግና ኣየገልግሉ። ንሌዋውያን ከምዙይ ጌርካ ሓሓላፍነቶም ሃቦም።”