28 ቀዓታውያን መቕደስ ዝሕልዉ ነበሩ። ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሸሞንተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።
ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።
ዓሌታት ደቂ ቃዓት ብወገን ደቡብ እቲ ድንኳን ይስፈሩ።
ሓላፍነቶም ታቦት ኪዳንን ጠረጴዛን ቀዋሚ ቐንዲልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቑሑን፥ መጋረጃ ቕድስተ ቅዱሳን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።
ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እናገልገሉ ሓላፍነት ኣሮንን ሓላፍነት ህዝቢ እስራኤልን ይፈፅሙ።