27 ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።
ቀኣት ኣርባዕተ ደቂ ነበርዎ፦ እንበረም፥ ዪፅሃር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል።
ካብ እንበረማውያን፥ ይስዓራውያን፥ ኬብሮናውያን፥ ካብ ዑዝኤላውያን ሓለፍቲ ነበሩ።
ደቂ ኬብሮን፥ ሓሸብያን እቶም ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኣሕዋቱን ብርቱዓት ሰብኡት ስለ ዝነበሩ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንእስራኤል ከመሓድሩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ እግዚኣብሄርን ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመደቡ።
ንሱውን በለኒ፤ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ትርኢ ዘላ ኽፍሊ ቤት፥ ነቶም ነታ ቤት ከገልግሉ እተመረፁ ኻህናት እያ።
ደቂ ቃዓት በብዓሌቶም፥ እንበረም፥ ይስዓር፥ ኬብሮን፥ ዑዝኤል እዮም።
መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን ኣግማድን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።
ቀዓታውያን መቕደስ ዝሕልዉ ነበሩ። ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሸሞንተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።
“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ደቂ ቃዓት በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ፀሓፎም።
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀዓት ድማ፥ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፍርቂ ነገድ ምናሴን ብዕፃ ዓሰርተ ኸተማታት በፅሓኦም።