26 መጋረጃታት ቅፅርን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ድንኳንን መሰውእን ዘሎ ቕፅርን ኣግማድን ምስ ኵሉ ኣቑሑኡን ምሕላው እዩ።
ሽኻላት ድንኳንን ሽኻላት ቅፅርን ምስ ኣግማዱን፥
ዓሌት ኣሞራውያንን ዓሌት ይፅሃራውያንን ዓሌት ኬብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን ካብ ቃዓት ዝውለዱ እዮም። ወገን ቀዓታውያን እዚኣቶም እዮም።
“ዓሌታት ጌድሶን ዘገልግልዎን ዝፆርዎን እዙይ እዩ፦