25 ሓላፍነት ደቂ ጌድሶን፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ነቲ ድንኳንን መኽደኒኡን መደረብታኡን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፥
እቶም ሌዋውያን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ መቕደስን ክሕልዉ፥ ነቲ ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገብርዎ ኣገልግሎትውን ክሕግዙ፥ ተመዲቦም ነበሩ።
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን በብኽፍሎም መደቦም። ንነፍሲ ወከፎም ከዓ ኸም ምግልጋሉ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርቡን ከገልግሉን ኣብተን በርታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም።
ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣቑሑኡን ከምቲ ኣነ ዘርእየካ ጌርካ ስርሓዮ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ሙሴ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ዓለባ ዘርግሐሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ ገበረሉ።
ነቲ መጋረጃ፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ገበሮ።
ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣቑሑኡን፥ ኣብ ልዕሊ ናቱ ዝኾነ ሓለፍቲ ጌርካ መድቦም። ንሳቶም ነቲ ድንኳንን ንዅሉ ኣቑሑኡን ይፁሩ። ንእኡ ኸዓ የገልግሉ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ድማ ይስፈሩ።
ነቲ ድንኳን ነቐልዎ፤ ደቂ ጌድሶንን ደቂ ሜራርን ድማ ነቲ ድንኳን ፆይሮም ተጕዓዙ።
ሹም ዓሌታት ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ።
ንሳቶም ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን እናገልገሉ ሓላፍነት ኣሮንን ሓላፍነት ህዝቢ እስራኤልን ይፈፅሙ።
ንደቂ ጌድሶን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላታትን ኣርባዕተ ኣብዑርን ሃቦም።
ከምቲ ገዛኡ ሓዲጉ ዝገይሽ ሰብ እሞ፥ ንኣገልገልቱ ንነፍሲ ወከፎም ሓላፍነት ሂቡ ሰስራሖም ዘትሕዞም፥ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገውን፥ ክነቅሕ ከም ዝእዝዞ እዩ።
ንኣክሪጳ ድማ “ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት፥ ከም እትፍፅማ” በልዎ።
ጢሞቴዎስ ወደይ፥ ኣብቲ ዝተነግረልካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመስሪተ፥ እዝ ትእዛዝ እዙይ ሓደራ እህበካ ኣለኹ። ነቲ ዝተነገረካ ቓል ኣፅኒዕኻ ሓዞ፤ ተቢዕኻውን ሰናይ ገድሊ ተጋደል።