16 ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሩ ቘፀሮም።
ደቂ ያእቆብ ከዓ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ኸምቲ ትእዛዝ ፈርዖን ሰረገላታት ሃቦም፤ ንመንገዲውን ስንቂ ሃቦም።
“ንደቂ ሌዊ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ቍፀሮም፤ ዕድሚኡ ኻብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቍፀሮ” በሎ።
ደቂ ሌዊ፥ በብስሞም ጌድሶን፥ ቃዓት፥ ሜራሪ እዮም።
ኵሎም ሌዋውያን፥ ከምቲ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘፀርዎም፥ ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኾኑ።
ከም ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ሙሴ ነቲ ገንዘብ ቤዛ፥ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።
ደቂ ጌድሶን ኵሉ ኣገልግሎቶም፥ ፆሮም ኮነ ስራሖም፥ ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ክፆርዎ ዘለዎም ኵሉ ይቈፃፀርዎም።
እቶም ካብ ዓሌታት ቃዓት ዝተቘፀሩ ኣብ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌድሶን ዝተቘፀሩ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዘገልግሉ ዅሎም፥ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ሜራሪ ዝተቘፀሩ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ሙሴን ኣሮንን ዝቘፀርዎም እዚኣቶም እዮም።
ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ነፍሲ ወከፍ ኣገልግሎቱ ተውሃቦ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ፀፆሩ ተነግሮ። ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘፀሩ።
ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግልዎ ብስሙውን ክባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ይቕረቡ። ኵሉ ባእስን ኵሉ ጉድኣትን ከዓ ኸም ቃሎም ይፅናዕ።