Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 3:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 “ንደቂ ሌዊ በብዓሌቶምን በብማይ ቤቶምን ቍፀሮም፤ ዕድሚኡ ኻብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቍፀሮ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 3:15
17 Referencias Cruzadas  

ከምኡውን ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዝተፅሓፉ ኻህናት፥ ነቶም ልዕሊ ደቂ ዕስራ ዓመት ዝኾኑ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ዝተፅሓፉ ሌዋውያን ይዕድልዎም ነበሩ።


ኣነ ነቶም ዘፍቅሩኒ ኣፍቅሮም፤ እቶም ተጊሆም ዝደልዩኒ ኸዓ ይረኽቡኒ።


“ኪድሞ ኣብ ኣእዛን ኢየሩሳሌም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ድምፂ ኣስምዕ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ። “ፍቕሪ ንእስነትክን፥ መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን፥ ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።”


እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተገለፀለይ፤ ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።


ንስኻን ኣሮንን፥ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ክወፁ ዝኽእሉ በብኽፍሊ ሰራዊቶም ቍፀርዎም።


ሌዋውያን ግና በብማይ ቤት ኣቦታቶም ምስኣቶም ኣይተቘፀሩን።


እቶም በብዓሌቶም ዝተቘፀሩ ሌዋውያን ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ጌድሶን ዓሌት ጌድሶናውያን፥ ካብ ቃዓት ዓሌት ቀዓታውያን፥ ካብ ሜራሪ ዓሌት ሜራራውያን።


እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ፥ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኮኑ። ምስ ደቂ እስራኤል ርስቲ ስለ ዘይተውሃቦም ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘፀሩን።


ሙሴ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሩ ቘፀሮም።


ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ።


ቀዓታውያን መቕደስ ዝሕልዉ ነበሩ። ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሸሞንተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኮኑ።


ንሳቶም ዕድመኣቶም ካብ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘፀሩ ሽዱሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።


ብዝሒ እቶም ዕድመኣቶም ካብ ሓደ ወርሒ ንላዕሊ ዝኾኑ ዅሎም በዅሪ ተባዕትዮ ኸዓ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኮነ።


ኢየሱስ ነዙይ ምስ ረአየ ተቘጢዑ ኸምዙይ በሎም፦ “ህፃናት ናባይ ይምፅኡ ሕደግዎም፤ መንግስቲ እግዚኣብሄር ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም።


ካብ ህፃንነትካ ጀሚርካ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ምድሓን ዝርከበሉ ትምህርቲ ኽህባኻ ዝኽእላ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ ትፈልጥ ኢኻ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos