10 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናይ ክህነቶም ኣገልግሎት ክፍፅሙ ሹሞም፤ ካልእ ሰብ እንተ ቐረበ ኸዓ ይቀተል።”
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዖዛ ነደደ፤ ስለ ድፍረቱ ድማ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ኣብኡውን ኣብ ጥቓ ታቦት እግዚኣብሄር ሞተ።
ኣብ ኰረብታታትውን ዝሰግዱሉ ኣባይቲ ሰርሐ፤ ካብ ዘርኢ ሌዊ ዘይኮኑ ኸዓ፥ ካብቲ ማንም ህዝቢ ኻህናት ገበረ።
ንሳቶም፥ ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰርሕ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን መዝሙር እናዘመሩ የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ ዝተሰርዐሎም ድማ በብተራ የገልግሉ ነበሩ።
ኣነ ኸዓ “ከማይ ዝበለ ሰብዶ ይሃድም? ከማይ ዝበለኸ ምእንቲ ህይወቱ ኸድሕን ኢሉ፥ ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱዶ ይግባእ? ኣነስ ኣይኣቱን” በልኩዎ።
ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፤ መጠምጠምያውን ግበረሎም። ክህነት ከዓ ብሕጊ ንዘለኣለም ናታቶም ይኹን። ስለዙይ ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ጌርካ መዓርግ ክህነት ሃቦም።
ኣብታ መቕደሰይ ንኣኣቶም ክንዲ ኽንዳኻትኩም፥ ንኣገልግሎተይ መረፅኩምዎም እምበር፥ ነቲ ቕዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።”
ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ፥ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፤ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ኣገልጋሊኡ ኻብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።
እቲ ናይ ምስክር ድንኳን ካብ ሰፈር እንትለዓል፥ ሌዋውያን ይንቀልዎ፤ ክሰፍሩ እንተለዉ ኸዓ ንሳቶም ይትከልዎ። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።
ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊን ናብኡ ኣቕሪቡኩምስ ሕዚ ድማ ኽህነት ደሊኹም?
ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኮነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣይቕረብ። እንተ ቐረበ ግና ኸም ቆሬን ከም ሰዓብቱን ክኸውን እዩ። እዙይ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን። እዝ ዅሉ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ እዩ።
ንሳቶም ንኣኻን ነቲ ድንኳንን የገልግሉ፤ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ ግና፥ ናብ ኣቑሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ኣይቕረቡ።
ኣብቲ መሰውእን ኣብቲ ውሽጢ መጋረጃን ዘሎ ግና ንስኻን ደቅኻን ብኽህነት ኣገልግሉን ሓልውን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ውህብቶ ሂበኩም ኣለኹ። ካልእ ኣብ መቕደስ እንተ ቐረበ ግና፥ ይቀተል።”
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
ሙሴን፥ ኣሮን ምስ ደቁን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወገን ምብራቑ ይስፈሩ። ንሳቶም ክንዲ ደቂ እስራኤል ንመቕደስ ዝሕልዉ እዮም። ካልእ ሰብ ናብኡ እንተ ቐረበ ግና ይቀተል።
ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኣገልግሎቱ ይትጋህ፤ ዝምህርውን፥ ኣብ ምምሃር ይፅናዕ፤
እምበኣር ንስኻትኩም፥ ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝኾነ፥ መሰረት ነቢያትን ሃዋርያትን ዝተሃነፅኩም፥ ደጊም ንቕዱሳን ደቂ ዓዶም፥ ንእግዚኣብሄር ድማ፥ ቤተሰቡ ኢኹም እምበር፥ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ኣይኮንኩምን።
እምበኣርከስ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም፥ መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፥ ንሱ ኸቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ።
እዝ ሚካ ዝበሃል ሰብኣይ፥ ቤት ኣማልኽቲ ነበሮ፤ ኤፉድን ተራፊምን ድማ ገበረ፤ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸዓ ኻህኑ ክኸውን ቀደሶ።
ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ።