7 ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይዛ ሻውዐይቲ ወርሒ እዚኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ነፍስኹም ኣዋርዱ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።
ኣነ ግና ንሳቶም ምስ ሓመሙ፥ ወጮ ተኸደንኩ፤ ንነፍሰይውን ብፆም ኣድከምኩዋ፤ ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።
“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።
ነቶም ካህናት ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄርን ንነቢያትን “ከምቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበርኩዎዶ ኣብ ሓምሻይ ወርሒ ምፍላይን ምብካይንዶ ይግብአኒ?” ኢሎም ክናገሩ ልኢኽዎም ነበረ።
ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩምውን ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
ኣይኮነን፤ እንተ ዘይተነሲህኹምስ፥ ኵልኻትኩም ከምኣቶም ክትጠፍኡ ኢኹም” በሎም።
ከምዙይ ኢሉውን ብዙሕ ጊዜ ሓለፈ፤ እቲ መዓልቲ ፆም ኣይሁድ ምስ ሓለፈ፥ ብባሕሪ ምጕዓዝ ዘፀግመሉ ወርሓት ስለ ዝኾነ፥ ጳውሎስ፦
ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።
ንኻልኦት እናሰበኽኩ፥ ንርእሰይ ዘይበቅዕ ምእንቲ ኸይከውን፥ ንሰብነተይ እቐፅዖን ኣግዝኦን ኣለኹ።