6 እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ከምቲ ፅሑፍ ድማ ናይ ዳስ በዓል ኣብዓሉ፤ ከምቲ ስርዓቱ ነንመዓልቲ ዝተመደበ፥ ንመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብቝፅሪ ኣቕረቡ።
ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ።
ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ።
እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ዘቕርብ ሰብ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ዝተለወሰ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።
ግና ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ።
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከምቲ ስሩዕ ቝፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
ምስቶም ዝራብዓትን ማጓሉን ጡቦታትን ዝውፈ፥ ከከምቲ ስሩዕ ቍፅሮም መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።
ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።
ንሱ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ዝመልአ፥ ብሚዛን መቕደስ ሓደን ፈረቓን ኪሎ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ፃሕሊ ብሩር፥ ሸሞንተ ሚእቲ ግራም ዝሚዛኑ ሓደ ውንጭሕቲ ብሩር፥
ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና፥ ፋሲካ ንእግዚኣብሄር ከብዕል እንተ ደለየ፥ ከምቲ ናይ ፋሲካ ሕግን ስርዓትን ገይሩ የብዕል። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።