Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 29:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ሽዑ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 29:2
9 Referencias Cruzadas  

ካብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።


እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።


ግና ኽልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።


ግና ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም ክልተ ዝራብዓት፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ።


በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም።


መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ፥ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ናይ ዓስራይ ኣፍ፥


ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ።


ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ክኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡቦታት ኣባጊዕ ኣቕርቡ፤ ኵሎም ከዓ ጐደሎ ዘይብሎም ይኹኑልኩም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos