Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 29:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈ መስዋእትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ዝቐርብ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 29:11
10 Referencias Cruzadas  

“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ፤ ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈየ፥ ዘርኡ ኽርኢ ዕድሚኡውን ክነውሕ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ።


ኣሮን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ሓደ ማጕላ ሒዙ ይእቶ።


ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኡ ኽልተ ዲበላ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን እውን ሓደ ማጕላ ይውሰድ።


ነቲ ብዕፃ ንእግዚኣብሄር ዝበፅሐ ጤል የቕርቦ እሞ ኽንዲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ።


መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ።


እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ እዩ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።


ንሱ ንሓዋሩ፥ ሓደ ጊዜ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ እሞ፥ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት፥ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፥ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ፥ በብመዓልቱ መስዋእቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos