10 መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ከዓ ሓደ ኺሎ ግራም ሰውኡ።
መስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ሕሩጭ ኣቕርቡ፦ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥
ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዝ መስዋእቲ እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈ መስዋእትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ዝቐርብ እዩ።
ምስኡ ዝውፈ መስዋእቲ እኽሊ ኸዓ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ኣቕርቡ፤ ምስቲ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም፥