1 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ። ንሳ መለኸት እትነፍሑላ መዓልቲ ትኹነልኩም።
ሽዑ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን እናዓጀቡ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ።
ካብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።
ኵላቶም ካህናት እስራኤል፥ ሌዋውያን፥ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፥ መዘምራን፥ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሰርሑን፥ ናቲኒምን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። ብሻውዐይቲ ወርሒ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ቘልዑ ዅላቶምን፥ ነቲ ሕጊ ኣምፅኦ።
ብሰርቂ ወርሒ፥ በታ ዓባይ ፍልጥቲ በዓልና፥ መለኸት ንፍሑ።
እቲ ዕልልታ ዝፈልጥ ህዝቢ፥ ብፁእ እዩ፤ ኦ ጐይታ ብብርሃን ገፅካ ይኸዱ።
“ናይቲ ኣብ ግራትካ ዝዘራእኻዮ መጀመርታ ፍረ ኽትዓፅድ እንተለኻ፥ በዓል ዓፂድ ኣብዕል። “ኣብ መወዳእታ ዓመት፥ እኽልኻ ኻብ ግራትካ ምስ ኣከብካ፥ ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።
“ናይ ሸውዓተ ሱባዔ በዓል ክትገብር ኢኻ፤ ንሱውን መጀመርያ ዓፂድ ስርናይ እዩ፤ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ፥ በዓል ምትሕሳስ ክትገብር ኢኻ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ዝጠፍኡ፥ ኣብ ግብፂ ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመፁ እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ክግለፅ እዩ፤ ፍላፃታቱ ኸም በርቂ ኽወፅእ እዩ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር መለኸት ክነፍሕ እዩ፤ ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ።
ብበዓል ሰሙናት፥ በታ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ እተቕርቡላ፥ ቀዳማይ ፍረኹም እትእክቡላ መዓልቲ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ።
ሽዑ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ጌርኩም፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ሓደ ማጕላ፥ ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ኣቕርቡ።
ኣብታ ሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ።