Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 28:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበት ኣባጊዕ ሰውኡ፤ ምስኡ ኸዓ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 28:9
12 Referencias Cruzadas  

ንሱ ኸዓ “ሰርቂ ወርሒ ኣይኮነ፥ ሰንበት ኣይኮነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ?” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን” በለቶ።


ሰሎሞን ናብ ኪራም ንጉስ ጢሮስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ከምቲ ነቦይ ዳዊት፥ ቤት ክሰርሕ እንተሎ፥ ኣእዋም ዝግባ ዝለኣኽካሉ፥ ንኣይውን ከምኡ ግበረለይ።


እንሆ፥ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕን ክቕድሳን ሓሲበ ኣለኹ። ኣብኣ ኣነን ህዝቢ እስራኤልን፥ ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ክነቕርብ ኢና። ሕብስቲ ቝርባንውን ኵልሻዕ ኽንሰርዕ ኢና። ንግሆን ምሸትን ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽነቕርብ ኢና፤ እዙይ ከዓ ንእስራኤል ንዘለኣለም ተኣዚዙ እዩ።


ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸም ስርዓቶም በብመዓልትን በብሰናብትን በብሰርቂ ወርሕን፥ በተን ኣብ ዓመት ሓድሓደ ጊዜ ዝውዕላ ምዱባት ሰለስተ በዓላትን፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን ይስውእ ነበረ።


“ብሰንበት፥ በታ ቕድስቲ መዓልተይ ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፥ እግርኻ እንተ ዓቀብካ፥ ንሰንበት ከዓ ‘ደስታ’ ነታ እግዚኣብሄር ዝቐደሳ መዓልቲ ‘ክብርቲ’ ኢልካ እንተ ፀዊዕኻያ፥ እንተ ኣኽቢርካያ፥ ናይ ባዕልኻ መንገዲ ድማ እንተ ዘይኬድካ፥ ድልየትካውን እንተ ዘይጌርካ፥ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛሪብካ፥


ኣብ ርእሲ እዙይ ከዓ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኣቶምን ምልክት ምእንቲ ክኾና ኢለ ሰናብተይ ሃብክዎም።


እቲ ሓለቓ፥ ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዘቕርበሉ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሽዱሽተ ጡበታትን ጕድለት ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ይኹን።


እዙይ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ሰንበት ሰንበት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።


ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ምሸት ሰውእዎ። ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርኩም ሰውእዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።


ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos