Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 28:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ነቲ ኻልኣይ ጡበት በጊዕ ምሸት ሰውእዎ። ከምቲ ናይ ጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርኩም ሰውእዎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 28:8
6 Referencias Cruzadas  

ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።


በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።


እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።


ምስቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ዝውፈ መስዋእቲ መስተ ሓደ ሊትሮ ይኹን። እቲ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዝፈስስ መስዋእቲ መስተ፥ ብርቱዕ መስተ ይኹን።


ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበት ኣባጊዕ ሰውኡ፤ ምስኡ ኸዓ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭን መስዋእቲ መስተን ኣቕርቡ።


ክንዲ ስርየት ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos