6 እዙይ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመጀመርታ ኣብ ደብረ ሲና ዝቐረበ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
እንሆ፥ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕን ክቕድሳን ሓሲበ ኣለኹ። ኣብኣ ኣነን ህዝቢ እስራኤልን፥ ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ክነቕርብ ኢና። ሕብስቲ ቝርባንውን ኵልሻዕ ኽንሰርዕ ኢና። ንግሆን ምሸትን ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽነቕርብ ኢና፤ እዙይ ከዓ ንእስራኤል ንዘለኣለም ተኣዚዙ እዩ።
እቲ ንጉስ ድማ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተፅሒፉ ዘሎ፥ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ንዝቃፀል መስዋእትን ዝኸውን፥ ካብ ጥሪቱ ክኸፍሎ ወሰነ።
ከምቲ ፅሑፍ ድማ ናይ ዳስ በዓል ኣብዓሉ፤ ከምቲ ስርዓቱ ነንመዓልቲ ዝተመደበ፥ ንመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብቝፅሪ ኣቕረቡ።
ስለ መስዋእትኻ ዝዘልፈካ ኣይኮንኩን፤ እቲ ዝቃፀል መስዋእትኻ ዅልሻዕ ኣብ ቅድመይ እዩ።
ሙሴ ኸዓ ናብቲ እምባ ኽድይብ እንተሎ ናብ ማእኸል እቲ ደመና ኣተወ። ኣብቲ እምባውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ፀንሐ።
እግዚኣብሄር ኣብ እምባ ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ በፃብዕቲ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፋ ኽልተ ፅላት እምኒ ሃቦ።
ምስ ናይዝ መስዋእቲ ብልዒ፥ ሻድሻይ ኣፍ ኢፍ፥ መለስለሲ እቲ ሕሩጭ ከዓ፥ ሳልሳይ ኣፍ ኢን ዘይቲ፥ ንግሆ ኽተቕርብ ኢኻ፤ እዝ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዙይ፥ ንሓዋሩ ስርዓት ንዅሉ ጊዜ ክኸውን እዩ።
ማጕላን መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን፥ ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ጊዜ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትስውኡ ኢኹም።”
እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል፥ ኣብ ደብረ ሲና ንሙሴ ዝሃቦም ትእዛዛት እዚኣቶም እዮም።
ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ።
“ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መስዋእትን ቍርባንንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም?
ንመስዋእቲ እኽሊ ብኢን መስፈሪ ራብዓይ ኢድ ተወቒጡ ብዝፀለለ ዘይቲ ዝተለወሰ ብመስፈሪ ኢፍ ዓስራይ ኢድ ፅቡቕ ሕሩጭ ኣቕርብ።
ምስቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ዝውፈ መስዋእቲ መስተ ሓደ ሊትሮ ይኹን። እቲ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዝፈስስ መስዋእቲ መስተ፥ ብርቱዕ መስተ ይኹን።
ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን፥ እንተ ተሰዋእኹ ደስ ይብለኒ፤ ምስ ኵልኻትኩምውን እሕጐስ ኣለኹ።