23 እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እተቕርብዎ እዩ።
እዙይ ብዘይ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ሰንበት ሰንበት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
ከምኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ፀፅባሕ መስዋእቲ ብልዒ ኣዳልዉ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን ዝስዋእ እዩ።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ ኸምዙይ እዩ፦ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ፥ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡበት ኣባጊዕ ይኹኑ።