22 ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ኽንዲ ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።
ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወፂኡ ንእኡ የንፅሃዮ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ዲበላን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበረሉ።
መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ሰውኡ።
ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
ጊዜኡ ምስ በፅሐ ግና፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕጊ ዝነበሩ ምእንቲ ኽቢዘው፥ ንሕናውን ናይ ውሉድነት ስልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፥ ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ሰበይቲ እውን ተወለደ፤ ንሕጊ እውን ተኣዛዚ ኾነ።