18 በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።
ብቐዳመይቲ መዓልትን ብሻውዐይቲ መዓልትን ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ። በዘን መዓልቲታት እዚኣተን እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዝኣክል ናይ ዕለት ምግቢ ምቕራብ እንተ ዘይኮይኑ፥ ኣይትስርሑ።
በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
ብበዓል ሰሙናት፥ በታ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ እተቕርቡላ፥ ቀዳማይ ፍረኹም እትእክቡላ መዓልቲ፥ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።