15 ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ምስኡ ዝቐርብ መስዋእቲ መስተን፥ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤልን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ።
ንሳቶም ከዓ ወጠጦ ሓሪዶም ንቐምሽ ዮሴፍ ኣብ ደም ኣለኹዎ።
ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ዝስዋእ ዲበላ ድማ ይሕረዶ፤ ነቲ ደሙ ኸዓ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። በቲ ደሙ እውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን ኣብ ቅድሚኡን ይንፀጎ።
ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሓጢኣት እንተ ገበሩ፥ ካብ ርኽሰቶምን ካብ በደሎምን ዝተልዓለ ነቲ መቕደስ የስተስርየሉ፤ ነቲ ምስኣቶም ኣብ ማእኸል ርኽሰቶም ዘሎ መራኸቢ ድንኳን ድማ ኸምኡ ይግበረሉ።
ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ።
ነዙይ ከዓ እቲ ማሕበር እንተይፈለጠ ብጌጋ እንተ ገበሮ፥ ሽዑ ዅሉ እቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓደ ዝራብዕ ምስ ናይ እኽሊ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን የቕርብ። ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል የቕርብ።
መስዋእቲ መስተ ድማ መምስ ሓደ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርቡ። እዙይ ዓመት ምሉእ፥ ወርሒ ወርሒ ዝቐርብ፥ ወርሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ኽንዲ ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።
ከምዙይ ድማ በሎም፦ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ ኸምዙይ እዩ፦ ነቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝቐርብ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ፥ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ኽልተ ጡበት ኣባጊዕ ይኹኑ።
ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸዓ ሓደ ጤል ሰውኡ።
ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ጤል ኣቕርቡ። እዙይ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ዝውፈ ናይ ኵልሻዕ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም ድማ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ሓደ ጤል ሰውኡ።
ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።