13 መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ኺሎ ግራም ሕሩጭ ኣቕርቡ። እዙይ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብለኒ ብሓዊ ዝቃፀል ጥዑም ዝጨናኡ መስዋእቲ እዩ።
ምስቲ ቐዳማይ ጡቦት በጊዕ፥ ሓደ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ፥ ብሓደ ሊትሮ ዘይቲ ኣውሊዕ ለዊስካ ሰውእ፤ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ድማ፥ ከም መስዋእቲ ጌርካ ኣፍስሰሉ።
ማጓሉ ኽስውእ እንተሎ ኸዓ፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብሓደ ሊትሮን ፈረቓን ዘይቲ ዝተለወሰ ኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ የቕርብ።
መስዋእቲ እኽሊ ድማ ብዘይቲ ዝተለወሰ ሕሩጭ ኣቕርቡ፦ መምስ ሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥ ምስቲ ማጕላ ኽልተ ኺሎ ግራም ሕሩጭ፥
መስዋእቲ መስተ ድማ መምስ ሓደ ዝራብዕ ክልተ ሊትሮ፥ ምስቲ ሓደ ማጕላ ሓደ ሊትሮን ፈረቓን፥ መምስ ሓደ ጡበት በጊዕ ድማ ሓደ ሊትሮ ወይኒ ኣቕርቡ። እዙይ ዓመት ምሉእ፥ ወርሒ ወርሒ ዝቐርብ፥ ወርሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።