22 ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንኢያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደው ኣበሎ።
ደቂ ኣሮን እዚኣቶም እዮም፦ ኣሮን ንኣልኣዛር ወለደ፤ ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ፤ ፊንሃስ ንኣቢሱ ወለደ፤
ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ደው ይበል፤ ኣልኣዛር ከዓ ብኡሪም ገይሩ ፍቓደይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይጠይቐሉ። ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ከዓ ብትእዛዙ ይውፅኡን ይእተዉን” በሎ።
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን።