21 ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ደው ይበል፤ ኣልኣዛር ከዓ ብኡሪም ገይሩ ፍቓደይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ይጠይቐሉ። ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ከዓ ብትእዛዙ ይውፅኡን ይእተዉን” በሎ።
ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።
እቲ ሓቴርሰታም ኸዓ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ንእግዚኣብሄር ዝጥይቕ ካህን ክሳዕ ዝትስእ ካብ ዝተቐደሰ ኣይትብልዑ በሎም።
ሓቴርሰታም ድማ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ዘገልግል ካህን ክሳዕ ዝርከብ ካብቲ ዝተቐደሰ ሕብስቲ ቝርባን ከይበልዑ ኸልከሎም።
ነቲ ኡሪምን ቱሚምን ወሲድካ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ኣሮን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ኣብ ኣፍ ልቡ ይፁሮ፤ ኣሮን ድማ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ኵልሻዕ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይፁሮ።
ኣብ ልዕሊኡውን የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ገበረሉ፤ ናብቲ የማነ ፀጋም ኣፍ ልቢ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝግለፀሎም ኡሪምን ቱሚምን ዝበሃሉ ገበረሉ።
እቲ ኻህን፥ ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ልኡኽ ስለዝኾነ፥ ከናፍሩ ፍልጠት ክሕልዉ ይግባእ፤ ካብ ኣፉውን ሰባት ሕጊ ኽደልዩ ይግባእ።
ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ደው ኢለን፥
ኵሉ ህዝቢ ምእንቲ ኽእዘዞ ኸዓ ስልጣንካ ሃቦ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንኢያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ደው ኣበሎ።
ሙሴ ድማ ነቲ ነገረን ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቦ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ንሱ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩምውን ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ኢያሱ ኽመርሐኩም እዩ።
ንነገድ ሌዊ፦ “ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ቅዱሳን ሰብካ እዮም፤ ነቶም ኣብ ማሳህ ዝፈተንካዮም፥ ነቶም ኣብ ማይ መሪባ ዝተኸራኸርካዮም እዮም።
ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ካብቲ ስንቆም ወሲዶም ረአዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ግና ኣይጠየቑን።
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ድሕሪ ሞት ኢያሱ ደቂ እስራኤል “ምስ ከነዓናውያን ንምውጋእ ካባና ኣየናይ ነገድ ቅድም ይደይብ?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ።
ደቂ እስራኤል ተሲኦም ናብ ቤቴል ደየቡ፤ “ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደዪበልና?” ኢሎም ንእግዚኣብሄር ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ይሁዳ ይቐድም” በሎም።
ደቂ እስራኤል ከዓ ደዪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፦ “መሊስናዶ ምስ ኣሕዋትና ደቂ ብንያም ውግእ ክንገጥም?” ኢሎም ጠየቕዎ። እግዚኣብሄር ከዓ “እወ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ደይቡ” በሎም።
ሳኦል ምስቲ ኻህን ክዛረብ እንተሎ ኸዓ፥ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ዕግርግር የመና እናበርትዐ ኸደ። ሳኦል ከዓ ነቲ ኻህን “ኢድካ ኣክብ” በሎ።
ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር “ኤፉድ ኣምፅእ” በሎ።
ንእግዚኣብሄር ድማ ጠየቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኮነ፥ ብኡሪም ኮነ፥ ብነቢያት፥ ኣይመለሰሉን።
ዳዊት ንኻህን ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ “በይዛኻ ኤፉድ ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብያታር ከዓ ነቲ ኤፉድ ናብ ዳዊት ኣምፅኦ።