18 እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ “ነቲ ቕኑዕ መንፈስ ዘለዎ ሰብ፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ ወሲድካ ኢድካ ኣንብረሉ።
ፈርዖን ከዓ ንሹመኛታቱ፦ “ከምዙይ ዝበለ መንፈስ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሰብዶ ኽንረክብ ኢና?” በሎም።
ኤሊሳማ ንነዌ ወለደ፤ ነዌ ንኢያሱ ወለደ፤
ሙሴ ድማ ንኢያሱ “ኣጓብዝ ሕረየልና እሞ፥ ወፂእኻ ኸዓ ምስ ኣማሌቃውያን ተዋጋእ። ኣነ ፅባሕ፥ በትሪ እግዚኣብሄር ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ እምባ ደው ክብል እየ” በሎ።
“ኣነ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘለካ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልን ብሉፅ ጥበብንውን ከም ዘለካ፥ ሰሚዐ ኣለኹ።
ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፤ ኣብ ልዕሊኣቶም ከዓ ኸንብር እየ። ንስኻ በይንኻ ኸይትፆሮ ድማ፥ ፆር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽፆሩ እዮም።
ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ።
ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን።
እግዚኣብሄር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፥ እቲ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ፥ ንሱ ቓል እግዚኣብሄር እዩ ዝነግር።
ምስ ፆሙን ምስ ፀለዩን፥ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም።
ጳውሎስ ኢዱ ምሰ ኣንበረሎም ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።
ስለዙይ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነዝ ጉዳይ እዙይ ክንሸሞም፥ ካባኻትኩም ብፅቡቕ ዝተመስከረሎም፥ መንፈስ ቕዱስን ጥበብን ዝመልኦም፥ ሸውዓተ ሰባት ሕረዩ፤
ነዚኣቶም ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ኣቖምዎም፤ ንሳቶምውን ፀለዩሎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣንበሩሎም።
“ነኣይውን ብሰንክኹም እግዚኣብሄር ተቘጥዐኒ፤ ‘ንስኻ እውን ኣይትኣትዋን ኢኻ።
“በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኢያሱ፥ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ ኣዒንትኹም ሪአን ኣለዋ፤ ነተን ክትወርስወን ዘለኩም ኵለን መንግስታት ከዓ እግዚኣብሄር ከምኡ ኽገብር እዩ።
ኢያሱ ግና ቐቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ ክሓልፍ፥ ንሱ ኸዓ ነዛ እትሪኣ ዘለኻ ምድሪ ኸውርሶም እዩ እሞ፥ ንእኡ ኣዝዞን ኣፀናንዓዮን ኣተባብዓዮንውን’ በለኒ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ንሱ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩምውን ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ኢያሱ ኽመርሐኩም እዩ።
ንኢያሱ ወዲ ነዌ ድማ፥ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፥ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ ንሙሴ ዝተኣዘዝዎ ገይሮም ተኣዘዝዎ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛት ከዓ ሓለውዎ።
ነቲ ብቓል ትንቢት፥ ምስ ምንባር ኢድ ሽማግሌታት፥ ዝተውሃበካ ውህብቶ፥ ሸለል ኣይትበሎ።
ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ።
ብዛዕባ ጥምቀት፥ ብዛዕባ ኢድ ኣንቢርካ ምፅላይ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ምውታን፥ ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ፍርዲ ዝምልከት፥ መሊስና መሰረት ክንምስርት ኣየድልን።
ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ ዝተኣዘዝናዮ፥ ንኣኻውን ክንእዘዘካ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፥ ምሳኻውን ይኹን።
ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ዮፍታሔ መፀ እሞ፥ ብገለዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብምፅጳ ናይ ገለዓድ ሓለፈ፤ ካብ ምፅጳ ናይ ገለዓድ ከዓ ምስ ደቂ ኣሞን ክዋጋእ ሓለፈ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ።
ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጓብዝ፥ “እንሆ፥ ወዲ እሴይ በዓል ቤተ ልሔም፥ ክኢላ ወቓዒ በገና ሪአ ኣለኹ። ንሱ ብርቱዕ ሓያል፥ ተዋጋኢ፥ ዘረባ ዝኽእል መልክዐኛ ሰብ እዩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ምስኡ እዩ” ኢሉ መለሰ።