16-17 “ማሕበር እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኾኑስ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚኣብሄር፥ ናይ ስጋ ዅሉ ህይወት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዙይ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” በሎ።
እንሆ ኸዓ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት ‘እቲ ኽንዳኻ ኣብ ዙፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሕ እሓስብ ኣለኹ።
ነፍሲ ወከፍኩም ከዓ ኣፅዋርኩም ኣብ ኢድኩም ሒዝኩም ንንጉስ ኢዮኣስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። ነቲ ኣብ ማእኸል ሰልፍኹም ዝኣቱ ድማ ቕተልዎ። እቲ ንጉስ ክወፅእን ክኣቱን እንተሎ ኸዓ፥ ምስኡ ኹኑ” በሎም።
ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
ከም ልበይ ዝኾኑ ሓለውቲ ኣባጊዕ ክህበኩም እየ፤ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክሕልዉኹም እዮም።
“እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ?
ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ “ከም ዘይቀትለካን፥ ናብቶም ንነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸም ዘይህበካን፥ በቲ ህይወት ዝሃበና ህያው እግዚኣብሄር እምሕለልካ ኣለኹ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ።
እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ።
ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም።
ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።
ሙሴ ኸዓ ንእግዚኣብሄር
ስለዙይ ነቲ ጐይታ ኣዝመራ፥ ነዝመራኡ ሰራሕተኛታት ክሰድድ ለምንዎ” በሎም።
“ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ፥ ህይወቱ ቤዛ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ።
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።
ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና!
ሕዚ ኸዓ፥ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሓረኹምዎን ንጉስ እንሆ፥ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱልኩም ኣሎ።