12 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ “ናብ እምባ ዓባሪም ደይብ፤ ነታ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ኸዓ ረአያ።
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
ኵሎም ፈተውትኺ ተደምሲሶም እዮም እሞ፥ ኣብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፤ ድምፅኺውን ኣብ ባሳን ዓው ኣቢልኪ ኣስምዒ፤ ኣብ ዓባሪም ኴንኪውን ኣእውዪ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፥ “እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ ኢያሞ፥ ንኢያሱ ናባኻ ፀውዓዮ፤ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸዓ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቁሙ” በሎ። ሙሴን ኢያሱን ድማ ኣብታ መራኸቢ ድንኳን ቆሙ።