1 ማሕላ፥ ኑዓ ሖግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ዝበሃላ ኣጓላት ሰለጰኣድ ወዲ ኦፌር፥ ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ቀረባ።
ማኪር ከዓ ንሑፊምን ንሳፊምን ኣንስቲ ኣምፅአሎም። ሓፍቱ ማዓካ ትብሃል ነበረት። ካልኣይ ወዲ ማኪር ሰለጰኣድ ይበሃል ነበረ፤ ንሱ ኸዓ ኣጓላት ጥራሕ ወለደ።
ሰለጰኣድ ወዲ ኤፌር ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስማተን ከዓ ማህለህ፥ ኑዓ፥ ኤግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ነበረ።
ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሹመኛታት ህዝቢ እስራኤልን ደው ኢለን፥
ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።