65 እግዚኣብሄር ብዛዕባኣቶም “ርግፅ ኣብ ምድረ በዳ ኽሞቱ እዮም” ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ካብኣቶም፥ ብዘይ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
ገበርቲ እከይ ክጠፍኡ እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ዝገብሩ ግና፥ ንሳቶም ንምድሪ ኽወርሱ እዮም።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ።
እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦
ንስኻትኩም ግና ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።
ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ። ኣቱም ብሓደ ሓቢርኩም ኣባይ ተልዒልኩም ዘለኹም ሕሱማት ማሕበር፥ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፤ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክውድኡ እዮም፤ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም።”
ካብቶም ምድሪ ኽስልሉ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ብህይወት ተረፉ።
“ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።
ስማቶም ድማ እዙይ እዩ፦ ካብ ነገድ ይሁዳ፥ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ።
እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን፥ ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን፥ ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ፀኒዕኻ እንተ ነበርካ፥ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ንስኻውን ክትቍረፅ ኢኻ።
ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ጥራሕ እዩ ዝኣትዋ። ንሱ ኽሪኣ እዩ፤ ብምሉእ ልቡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑኒ እዩ እሞ እታ ኽስልያ ዝረገፃ ምድሪ፥ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ’ ኢሉ ኸዓ መሓለ።
ምኽንያቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ፥ ኵሎም ተባዕትዮ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ሞቱ።
ንዅሉ ትፈልጥዎ እንተ ኾንኩም እኳ፥ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኣውፂኡ ኸም ዘድሓኖም፥ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፥ ከም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እፈቱ።