64 ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ ምድረ በዳ ሲና ቕድም ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእኸል እዚኣቶም ኣይነበረን።
ንስኻትኩም ኣቱም ዘጕረምረምኩምለይ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ተቘፂርኩም ዝነበርኩም ኵልኻትኩም፥ ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።
ንስኻትኩም ግና ሬሳኹም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ።
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘፀርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም።
“ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።
እንተ ኾነ፥ ብመብዛሕቶም እግዚኣብሄር ኣይተሓጐሰን። ስለዙይ ኣብ ምድረ በዳ ሞይቶም ተሪፎም እዮምሞ።
ነርብዓ ዓመት ዝተቘጥዖምከ እንመን እዮም? እቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ፥ ሬሳኦም ኣብ ምድረ በዳ ዝወደቐዶ ኣይኮኑን?
ምኽንያቱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ፥ ኵሎም ተባዕትዮ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኻብ ግብፂ ምስ ወፁ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ መንገዲ ሞቱ።