61 ናዳብን ኣብዩድን ከዓ እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ኻልእ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ ሞቱ።
ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
ናዳብን ኣብዩድን ግና እቶም ኣብ ምድረ በዳ ሲና እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ ሓዊ ብምቕራቦም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። ውሉድውን ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታምርን ግና ኣብ ቅድሚ ኣቦኣቶም ብኽህነት የገልግሉ ነበሩ።