60 ኣሮን ንናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን ወለደ።
ኣሮን ድማ ንኤልሳቤጥ ጓል ኣሚናዳብ፥ ሓፍቲ ነአሶን፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ወሰዳ። ንሳ ኸዓ ንናዳብ፥ ንኣብዩድ፥ ንኣልኣዛር፥ ንኢታምር ወለደትሉ።
ደቂ ኣሮን፥ እቲ በዅሪ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ኣልኣዛርን፥ ኢታምርን እዮም።
ኵሉ ኣቑሑ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ስራሕ ንኽሰርሑ፥ ኣብቲ ናይቲ መራኸቢ ድንኳን ኵሉ ኣቑሑ ይሓልዉ፤ ንደቂ እስራኤል ንምግልጋል ዘድሊ ኹሉ ይሓልዉ።